ብዛዕባና

 

« AFK» አብ ከተማ ቪሊኽ ዝርከብ ንስደተኛታት(ወጻእተኛታት) ሓገዝ ዝህብ ማሕበር እዩ።

«AFK» ንስደተኛታት ትምህርቲ ቋንቋ ጀርመን፣ ከምኡውን፣ ብዛዕባ ባሕሊን ትምህርቲ ስርዓት ናይ ዓዲ ጀርመን ሓበሬታ ይህብ።

ማሕበርና ክትሳተፉሎም ትኽዕሉ ሓጸርቲ ጉዕዞታትን መደባትን(ፕሮጀክት) የዳልይ።

ኣብ ጀርመን ቀልጢፍኩም ክትላመዱ ዘድልይ ሓገዝ ንገብረልኩም።

ርዕስኹም ክትክእሉ ንሕግዘኩም። መዓልታዊ ናብራኹም ንምምራሕ ዘድልይ ሓገዝ ንገብረልኩም።

ማሕበርና «AFK» ሓገዝ ዝህብ፣ መኽሰብ ዘይደልይ ማሕበር እዩ። ኣብዚ ማሕበር ንሰርሕ ሰባት ድማ ፣ብእረፍቲ ጊዜና ብዘይ ደሞዝ  ኢና ንሰርሕ።

ንኣኻትኩም ብኽብሪ እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም ኢልና ንቕበለኩም። ስለዚ ነዚ ብዘይ ደሞዝ ንህቦ ኣገልግሎትን ሓገዝን ብክብረት ክትቅበልዎ ንሓትት። ሓገዝናን ኣገልግሎትናን ብክብሪ ክቕበል ዘይደል ሰብ ናብ ማሕበርና ክመጽእ የብሉን።

« AFK» ንስደተኛታት/ወጻእተኛታት ዝህቦ ኣገልግሎት/ሓገዝ ፣ ማለትውን፣ ንህቦ ናይ ቋንቋ ጀርመን ትምህርቲ፣ ነዳልዮ ሓጸርቲ ጉዕዞታትን መደባትን(ፕሮጀክት) ረብሓ ክሕልዎ ዝኽእል ፣ ኩልና ነነሕድና ተኸባቢርና እንተሰራሕና እዩ። ስራሕና ክዕወተልና ድማ ቆጸራ ምኽባር፣ ስነ ስርዓት ምግባር፣ ከምኡውን ጽሬት ምሕላው ብጣዕሚ አድላይ እዩ።